ካብ ጥንቲ ኤርትራ መሰረት ኢትዮጵያ ብምዃና መሰረት ዓሌት መብዛሕቲኡ ህዝብታት ከበሳ ኢትዮጵያ ሴማዊ ዝዓብለሎ ከም ምዃኑ መጠን፣ ሴማዊ ህዝቢ ከኣ ምድሪ ባሕሪ ቀጺሉ ኣብ ትግራይ እቲ ዝለዓለ ስልጣኔ ፈጢሩ ዝሳገመ ምዃኑ ዝተፈላለየ ባህርታት ንክፈጥር ምኽንያት ከም ዝኾን ክጥቀስ ይኽእል። ከምቲ “ካብ ክፈትውኻ’ስ ክፈርሁኻ” ዝብሃል፣ ስለዝፋተዉ ወይ ዝፋለጡ ብዝይዳ ክረዳድኡን ክደፋፈሩን ኪኢሎም ገለ’ወን ዓብለልቲ ኮይኖም ክወጹ ብምድላይ ንቐጻሊ ምትሕግጋዝን ወራራትን ክፈጥር ከኣለ።
እዚ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ህዝብታት ኣብቲ ዝኸድዎ ምጥዓም ምስ ዝስእኖም ተመሊሶም ናብቲ መበገሲኦም ክምለሱ ግድነት ነበረ። ሰኣን ጥልቕ ኢልካ ዘይምምርማር ከኣ ገለ ገለ ነቲ መሰረቶም (ምድሪ ባሕሪ ወይ ምድረ ሓማሴን) ኤርትራ ገዲፎም ሰኣን ምርዳእ ነቲ ዳሕረዋይ (ትግራይን ወይ ዓደ’ምሓራ) ነይረሙሉ ዝተመልሱ መበቆሎም ምዃኑ ክምስክሩ ይስምዑ። ምድሪ ባሕሪ መስረት ምዃኑ ብሰፊሑ ክንርእዩ’ኳ እንትኾንና ገለ መጻንሒ ኣብነት ክንጠቕስ።
ህዝቢ ዓቓቢ ጥንታዊ ባህሉን ቋንቛኡን ብምዃኑ፣ ሊቃውንቲ ኢትዮጵያ ንቃላት ግእዝ መሰረት ነባር ዓንቀጹ ምስ ዝጠፍኦም ከምኡ’ወን ትርጉም ቃላት ንምድላይ ንዓበይቲ ዓዲ ምድሪ ሓባብ ክሓቱ ይመጹ ከም ዝነበሩ ብዙሓት ዓበይቲ ደቂ እቲ ከባቢ የዘንትዉ።...[......]
ጥንታዊ ቻይናዊ ፍላስፋን መምህርን ዝነበረ “ኮንፊሽስ”፣ ሓደ መዓልቲ ንኽዘናጋዕ ናብ ሓደ ጫኻ ምስ ከደ፣ ምስኡ ንዝነበረ ዜሉ ዝተባህለ ተምሃራዩ ማይ ንኸምጸኣሉ ናብ ሓደ ዛራ ይልእኾ።
ዜሉ ትእዛዝ መምህሩ ንኸማልእ፣ ኣብቲ ጽዑቕ ኣግራብ ዘለዎ ጫካ፣ ናብታ ማይ ከምጽ’ኣላ ዝተኣዘዛ ዛራ እናኸደ ነብሪ የጓንፎ’ሞ። ዜሉ ካብቲ ሓደጋ ንምምላጥ ተጸናትዩ ጭራ’ቲ ነብሪ ሒዙ ብሴፍ ብምውጋእ ነቲ ነብሪ ይቐትሎ። በቲ ዝፈጸሞ ምሒር ተሓጉሹ ጅግንነቱ ንምርኣይ ጭራ’ቲ ነብሪ ቆሪጹ ብምውሳድ፣ ማዩ ሒዙ ናብ መምህሩ ይምለስ። ኮንፊሽስ ንዛንታ ጅግንነት ዜሉ ብዓቕሊ ድሕሪ ምስማዕ፣ ናይ ምግራም መንፈስ ከየርኣየ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሉ ማዩ ክሰቲ ጀመረ። ዜሉ ግና ንጭራ‘ቲ ነብሪ እናወዛወዘ፣ ንነብሱ ከም ኩሩዕ እናቖጸረ፣ ንመምህሩ
“መምህር ብጉብዝናኡ ዓቢ ዝብሃል ሰብ ንነብሪ ከመይ ገይሩ ድዩ ዝቐትሎ?”
ኢሉ ይሓቶ።
“ዓቢ ሰብ ንነብሪ ፊት ንፊት ገጢሙ ኣብ ርእሱ ብምህራም’ዩ ዝቐትሎ።”
ኢሉ መለሰ ኮንፊሽስ።
ዜሉ ብመልሲ መምህሩ ሕፍረት እናተሰምዖ...[......]
ኣብ ዳምባ እንዳ ስላሴ ከባቢ ዓዲዃላ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበራኦ። ሓዳስ ሰበይቲ ከኣ ኣምጽኡ። ዘይፈለጠ ኾይኑ’ምበር፣ እታ ድሒሩ ዘእተዋ ዘሎ ሰበይቲ ኣጉዶ ሰብኣያ ዘቃጸለት’ያ ነይራ። ልማደኛ ሰበይቲ፣ እዘን ክልተ ደቂ ሰብኣያ ንዕንጸይቲ ምስ ወፈራ፣ ብሕማቕ ኣቀታትላ ቀተለተን፣ ነዚ ሕማቕ ስማዕ ዝሰምዐ ተወልደ መዓሾ፣ ዘልቀሶ
“ሓማሴናይ ማይ ጻዕደታይ
ኣብ ጫፍ ነጸላኻ ቆጺርካ ክትኸይድ ስማዕ ጋዶ
ነዚኣ ከምጽእ መን ገደዶ
ኣደራሽ ዘንደደት እንተላይ ኣጉዶ
ንወዲደ’ኻ’ዶ ብኻራ ትሓርዶ
ንማህጸን’ዶ ብግራጭ ትቐዶ
ንጉስን ጳጳስን ዝውለዶ
ኣንታ ካብ ሰማይ እንተዝወርዱ ፈራዶ
ነዛ ዓሻ ክሓንቑዋ ኩሉ ከይለምዳ”
}~~~~~~~~~~~~~~~/~~~~~~~~~~~~~~~|፠|~~~~~~~~~~~~~~~\~~~~~~~~~~~~~~~{
ኣብ ዓዲ ዓንዴል ባሻይ ትርፈ ዝብሃሉ ነይሮም። ገዛ እንዳ ባሻይ ትርፈ፣ “እንዳ ኣንበሳ ዓጽሚ ኣይሰኣኖን’ዩ” ነይሩ። በብእዋኑ ግን ደቆም ይሞትዎም ነበሩ። ደቆም ኣብ ዝጉድእዎም፣ ተወልደ መዓሾ ኣልቂሶምሎም ይፈልጡ ኣይነበሩን፣ ሓደ መዓልቲ ግን ወልዳይ ዝተባህለ ወዶም ምስ ተጎድኦም፣ ተወልደ መዓሾ ከምዚ ቢሉ ኣልቀሰሎም።…[……]
ሓደ ካብቶም ንከተማ ኣስመራ ዘወቀቡ ህንጻታት እዩ። ብ 1937 ድማ ተሃኒጹ።
ህንጻ ሲነማ ኢምፐሮ ‘ማርዮ መሲና ብዝተባህለ ክኢላ ተነዲፉ። እዚ ብሰለስተ ደረጃታት ዝተሃንጸ ህንጻ 1800 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ዓቢ ኣደራሽ ይርከቦ።
ብቕድሚ ወገን’ዚ ህንጻ ብሰለስተ መስመራት ዝተኸፍለ ጻዕዳ ዝሕብሩ መንደቕ ክህሉ እንከሎ፣ ነፍሲ ወከፍ መስመር ዓሰርተ ሓሙሽተ መብራህቲ ኣለዎ። እቲ መብራህቲ ነቲ ብየማናይን ጸጋማይን ሸነኽ ዝርከብ “ሲነማ ኢምፐሮ” ዝብል ጽሑፍ ዓቢ ድምቐት ይህቦ።
ካብ ቀንዲ ድንቒ ስራሕቲ ህንጻ፣ ኣብ መንጎ መድረኽን ኮፍ መበሊ ናይ ተዓዘብትን ዘሎ ቦታ፣ ብ ኣራእስ ናይ ኣንበሳ ዝተሃንጹ ዓንድታት፣ ሳዕሳዒት ኣፍሪቃ ዘንጸባርቑ ስእልታት፣ ተኽሊ ተምሪ ከምኡ’ወን ቅርጺ ጠለበዱ ብናይ ኣርት ዴኮ ቅዲ ተቐሪጾም ምህላዎም’ዩ።…[……]
ማንግሮቭ
እዚ ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ተኽሊ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብብዝሒ’ ዝፈሪ ተኽሊ ኾይኑ ጨዋም ማይ ባሕሪ’ዩ ዝሰማምዖ። እዚ ተኽሊ’ዚ ንመግቢ ኣግማልን ካልኦት እንስሳታትን ይጠቕም።
ድጎንግ
ድጎንግ ዝተባህለት ኣብ ባሕርን መሬትን እትነብር እንስሳ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣቑጽልቲ እናማእረረት’ያ ትምገብ። ኣብ ሃገርና ድማ” ላም ባሕሪ ብዝብል ስም’ያ ትልለ።
ተምሪ
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከም “ፒሮን፣ ሃያኒ፣ ቆሪ፣ ምድጂል፣ ዳይሪ፣ ደጀለትንር፣ ሂላል፣ ዝባድ፣ ሰሊኽ፣ ሮታናን፣ በርሕያን ዘኣመሰሉ ሓያሎ ዓይነታት ተምሪ ክፈርዩ ይኽእሉ።
ተወሳኺ፣ ተምሪ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት’ዩ ዝፈሪ። ሓንቲ ግንቦ ድማ ክሳብ 70 ኪሎ ክትሕዝ ትኽእል።…[……]
ራእሲ ኪዳነ ማርያም ኣሪጎም ጸጉሪ ርእሶም ጡጥ ምስ መሰለ’የን ሒማኦም ሞይተንኦም። ሻቡ “ተመርዓዉ እንተተባህሉ” ኣይምርዖን” ኢሎም ኣቕበጹ። ሓደ መዓልቲ፣ ሓደ ዘጋፍ ወቓዕ ከበሮ ዝደልያ ዝነበረ ውባ ዝስማ ጓል ራእሲ ሃይለ መለኮት ነበረት። ግራዝማች ሰለሙን ዝብሃል ዓርኮም ድማ፣ “ገና ዘይተመርዓወት ጓል ራእሲ ሃይለመለኮት ረኺብናልካ ኣሎና፣ እዝጊ ይስማዕካ ንዓ ሕራይ በለና” ምስ በሎም፣ ራእሲ ሕራይ በሉ። መርዓ ተቖጺሩ ወራዶ መርዓ ኮይኖም ናብ እንዳ ጓል ምስ ወረዱ፣ ዕቤትን ስቤትን ራእሲ ኪዳነማርያም ዘስተብሃላ ጎራዙ’ቲ ዓዲ
“ሰያቦ ሰያቦ
መዓንጣኻ ጥይት ዝኸበቦ
እሞ ሕራይ ‘ዶ ኾን ትበለካ ትኸውን እዛ ዳዕቦ?”
ኢለን ሓደማሎም። ራእሲ ተኪዞም ርእሶም ኣድነኑ። ኩነታቶም ዘስተብሃለ ዓርኮም ግራዝማች ሰለሙን …[……]
ቀደም ዘመን ንብዓት ኣዝዩ ክቡር ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይነግሩና። ጀርመናውያን ብፍላይ ከኣ ወተሃደራት ጀርመን ዝነበሩ፣ ኣብ ዓውደ ኩናት ንዝወደቑ ብጾቶም ክቐብርዎም ከለው፣ እቲ ንስለኦም ዘፍስስዎ ንብዓት ኣኪቦም ምስ ዓስከሬኖም ጌሮም ሓምድ ኣዳም የልብስዎ ነይሮም።
ትነብዑ’ዶ?
ንብዓት ካበይ ይምንጩ? ስለምንታይ’ከ ሰብ ይነብዕ? ንምዃኑ ብኽያት እንታይ’ዩ? ኣዒንትና ንምንታይ ንብዓት የፍስሱ? ኣዒንትና ምስ ናይ ሓደ ወይ ካልእ ሰብ ሓዘን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎም? ብዛዕባ ንብዓት ምስ ዝልዓል ክሕተት ዝግባኦ ሕቶ’ዩ።
ቅድሚ ዕስራ ዓመት፣ ተመራማሪ ንብዓትን ምንጩን ዝኾነ ኣሜሪካዊ ዶ/ር ዊልያም ፍሬይ፣ ንብዓት እናኣከበ ንንውሕ ዝበለ ግዜ መርመራ ኣካይዱ ነይሩ። ዶ/ር ፍሬይ ከም ዝበሎ፣ ኣብ ሓዘን ይኹን ኣብ ሓጎስ ንብዓት ናይ ወዲ ሰብ ተፈጥሮኣዊ ውሽጣዊ ስምዒት’ዩ።
ኣብቲ ሰፊሕ ናይ ምርምር ስራሕ ዶ/ር ፍሬይ፣ ብዛዕባ ንብዓት ንዘሎ ኣፍልጦ ዘዕቢ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣሰለሲሉ። ኣብቲ ዝተኣከበ ንብዓት ብዝተገብረ ፍሉይ ምርምር፣ ሰብ ዝበኽየሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ንብዓት ውሽጣዊ ስምዒት ይኹን’ምበር፣ መንብዒ ምኽንያት ንምፍላጥ ሰፊሕ መጽናዕቲ ተኻይዱ። ዶ/ር ፍሬይ ኣብ መጽናዕቱ ነቲ “ንብዓት ሓርገጽ” ዝብሃል ኣበሃህላ ወን ከይገለጸ ኣይሓለፈን።... [......]
ሃጸይ ዮሃንስ ገና ቅድሚ ሃጸይ ምባሎም ናብ ኤርትራ ብዙሕ ወራራትን ግፍዕታትን ከም ዝገበሩ ይፍለጥ። ነቲ ኣብ መንጎ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ብቐዳሞት ደጓዑ (መሳፍንቲ) ሱር ተኺሉ ዝነበረ ምትህልላኽ ተጠቒሞም ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ብዙሕ ተንኮላት ፈጸሙ።
ንደግያት ሃይሉ ተወልደ መድህን ፈታዊኦም ተመሲሎም; ንደግያት ገብረ ተኽለ ዝተባህለ ትግራዋይ ንኽስልዮም ኣብ ጸዓዘጋ ክቕመጥ ለኣኽዎ። ንሱ ኸዓ ፈታዊ ተመሲሉ ኣብ መንጎ ደግያት ሃይሉ ብዙሕ ሰለያ እናካየደ ዝበልዎን ዝተዛረብዎን ስፍርን ቁጽርን ዘይብሉ ጸብጻብ ናብ ጎይታኡ የመሓላልፍ ነበረ።
ሃጸይ ቴድሮስ ምስ ሞቱ ኣብ ሳልስቱ ብ19 ሚያዝያ 1868 ካልእ ገዲፎም ንጸብጻብ ደግያት ገበረተኽለ ምርኩስ ብምግባር መረብ ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ወደል መራጉዝ ዝተባህለ ዓዲ ሓደጋ ወዲቖም ንደግያት ሃይሉ ማሪኾም ን ኣይተ ወልደ ሚካኤል ሰለሙን (ራእሲ) ሹመትካ ደገዝምነት ግዝኣትካ “ምኽዓው ቆሎ” ምላሽ ሂበካ ኣለኹ ብማለት ነቲ ጽልኢ ክልተ ኣሕዋት ኣባልሕዎ።
ደግያት ገበረ ተኽለ ከኣ እሙን ኾንካ ስለ ዝተረኸብካ ግዝኣት ምሉእ ሰራየ ሂበካ ኣለኹ ብማለት ኣብ ዘይናቶም ዓዳላይ ኾይኖም ተረኽቡ።
ድሒሮም ንደግያት ሃይሉ ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ከይ ኣኽሎም፣ ሃጸይ ዮሃንስ ተመሊሶም ንደግያት ወልደሚካኤል ሻራ ሃጸይ ተኽለ ገርግስ እዩ ብዝብል ጉልባብ ንዓድዋ ምጻኒ ቢሎም ለኣኽሎም
“ገንዘብ ስርቕን ገንዘብ ልማኖን ክሳብ ዝቐትለካ ዝጠቕመካ ይመስል”
ከም ዝብሃል ዝሃብዎም ሹመት ናይ ሓቒ መሲልዎም “ብዓል መስቀል ብሓደ ኣብ ዓድዋ ከነብዕል” ኢሎም እዮም ብማለት ከድዎም። እንተኾነ ሃጸይ ዮሃንስ ሕጂ ዕድል ረኺበ ብማለት ተቐቢሎም ኣሰርዎም። …[……]
ኣመጻጽኣ’ዚ መርገም
ራእሲ ኣሉላ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብኽሳዱ እንተዘይኾይኑ ብጽዕነት ጨው ዝነገደ ከቢድ ፈሰስ ክኸፍል ምዃኑ ዘገደዱሉ እዋን ነበረ።
ህዝቢ ከኣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝባኑ ጨው ይነግድ ነበረ። ካብ ቀይሕ ባሕሪ ን ከበሳ ኣብ ዝባንካ ጨው ተሰኪምካ ክትነግድ ድማ እምብዛ መሪር ስለዝነበረ ሕሱም’ዩ።
ዝኾነ ኾይኑ’ ነቲ ሕሱም ግዜ ንምግላጽ ወይ ድማ፣ ከም መርገም ክሳብ ሎሚ “ብዝባንካ ጨው ንገድ” ይብሃል ኣሎ።...[......]
ኤርትራ (ብጽርኢ ወይ ብግሪኽ) ስም ባሕሪ ኾይኑ ካብ ፖርት ስዒድ ክሳብ ባሕሪ ህንዲ ወይ ከኣ ካብ ወደብ ስዩስ ክሳብ ባብ ኤል መንደብ ዘሎ ባሕሪ እዩ።
ኣወሃህባ ስሙ:-
ቀይሕ ዕንባባ ባሕርን መሬትን ስለ ዝረኣየሉ ቀይሕ ሰበባ ዘንሳፍፈሉ ቀያሕቲ ዓሳታት ዝውለድሉ፣ ካብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ሕብሪ ዘለዎም ቅይሕ ዝበሉ ህዝብ ዝነብርዎ ቦታ ስለዝኾነ እዩ።
ነብይ ሙሴ፣ ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ ክጽሕፍ እንከሎ ‘ንቀይሕ ባሕሪ” ብቋንቋ ኢብራይስጢ “ያም ሱፍ” ኢሉ ሰመያ ።
ያም:- ባሕሪ ኪኸውን እንከሎ፣
ሱፍ:- ድማ ቀይሕ ማለት እዩ
ኣብ መበል 150 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ሊቃናት ዝብሃሉ ንቅዱስ መጽሓፍ ካብ ኢብራይስጥ ናብ ግሪኽ ዝተርጎሙ ከኣ ንቀይሕ ባሕሪ “ታላስ ኤርትሮስ” ኢሎም ሰመይዎ።
ከምኡ’ወን ኣብ ሃገረ ግሪኽ “ኤርትራ” ዝብሃል ዓዲ ወይ ቁሸት ኣሎ፣ ትርጉሙ ድማ፣ ቀይሕ ባሕሪ፣ ቀይሕ ምድሪ ማለት እዩ።...[......]
ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ‘መንነቱ ባህሉ’ዩ፣ ክንዲ ዝኾነ’ ሓደ ካብቲ ሓደ ክንፈል’ዩ ባህሉ ከነጽንዕ ይግባእ። ኣብ ማሕብረሰብ ትግርኛ ሓደ ሰብ ምስ ዝቕተል እቲ ቅትለት መታን ናብ ሕነ ምፍዳይ ከይምዕብል ካብ ወገን ቀታሊ ጓል ንወገን ተቐታሊ ተዋሂቡ ደማዊ ምትእስሳር ይፍጠር። ብጓልን ጋርን ወይ ድማ ደመ ሕየት (ጠረቕ) ተዋሂቡ ይደቓቐስ። ኣብ መዓልቲ መርዓ ምናልባት ኣዴታት ነቲ ካብ ኣባል’ታ ስድራቤት ዝተቐትለ’ዶ ጓልና ንህቦ ብማለት ገለ ሓደጋ ከየውርዳ ተባሂሉ፣ ኣብ መዓልቲ መርዓ ብዋዕታ ዞማ፣ ኣጎስማ (ሓው ንመርዓትን ወዲ ሓውቱ ነቲ መርዓዊ ካብ ወገን እታ መርዓት) ተጸዊዖም ምስ መርዓዊ ከም ዝቕረቡ ይግበር። ከምኡ ክግብረሉ ዘድለየ ምኽንያት ከኣ እተን መግቢ ዘዳልዋ ኣሕዋተን ምስ መርዓዊ ስለ ዝቕረቡ ዘለው፣ ነሓተን ከይልክማ ክብላ ጥዑይ መግቢ ንኸዳልዋ ስለ ዝግደዳ’ እዩ። እንድሕር ብገንዘብ ክዳቐስ ተወሲኑ ከኣ በቶም መኻፍልቲ ጋር ተባሂሎም ዝፍለጡ (በብዓዱን ወረዳታቱን ወይ ‘ወን ዓሌትን) ተኣኻኺቡ ብሓደ ጋር ይኽፈል።
ኣቤት ጭውነት!
ኣብ እዋን መውስቦ እንዳ ወዲ ነታ ንወዶም ከምጽእሉ ዝደለዩ መበቆላ ዓደ በቦኣን በዲኣን ኣጻርዮም ምስ ፈለጡ ንእንዳ ጓል ይሓቱ። እንዳ ጓል ብወገንም ኣብ ዝሕተትሉ ክንዝቲ መዓልቲ ሃቡና ኢሎም ብተመሳሳሊ ዓዲ ንእንዳ ወዲ በቦን በደን ኣጻርዮም ምስ ፈለጡ ርኸቡ ኣይትስኣኑ ይብልዎም።
እምበር ሃንድፍ ኢልካ ዝግበር መውስቦ ኣይነበረን።...[......]
ራእሲ ኣሉላ ኣብ ሓማሴን ሰፊሮም ከመሓድሩ ምስ ጀመሩ ነቲ ክቡር ባህልን ወግዕን ንምብልሻው መስደመም ዝኾነ ጽኑዕ ኣዋጅ ኣወጁ። ገለ ካብቲ ብዙሕ ኣዋጆም።
-
ሓደ ሰብ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኤርትራ እንተደኣ ተቐሚጡ ወደ’ርብዓ ተባሂሉ ምሉእ መሰል ክውሃቦ ዝብል ነበረ። ጣልያንን ብድሕሪኡ ዝመጹ ገዛእቲ ሓይልታት ከም ቅቡል ወሲዶም ከኣ ኣጽደቕዎ። ሕጂ’ወን ተኾነ ዳርጋ ከም ባህሊ ኾይኑ ኣሎ ክብሃል ይከኣል።
-
ከምኡ’ወን ገባር ኣብ ገዝኡ ሜስ ንመርዓ ንተስካር ወይ ከኣ ክሰትዮ ኢሉ ከየውድቕ፣ ሜስ መስተ ንጉስን ራእስታቱን ጥራይ እዩ ኢሉ ኣወጀ። ነዚ ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ዓበይቲ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ልዕሊ ደጓዑ ቅልጽሞም ኣልዓሉ። ካብቶም ቅልጽሞም ዘልዓሉ፣ ሓደ ከኣ ደግያት ሓድገምበስ ወዲ ከንቲባ ጉልወት ነበሩ።
ብተወሳኺ ‘ራእሲ ኣሉላ ካብ ዝተኣተተውዎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ሹም ጭቓ ገበሩ።
ጭቓ:- ከምቲ ጭቓ ንመንደቕ ዘጽንዖ ወይ ዘላግቦ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዘላግቦ ማለት እዩ።
ኣብ ቦታ ነበረ (ብዓል ቆጽሊ) ፈረሰኛ ወይ ምስሌነ፣ ብተወሳኺ ብቀሊሉ ከም ዘይግዝኡ ዘስግኡዎም ዓድታት እንተሃልዮም ተሰሪ (ደርጎይና) ወይ ሕልፎት ማለት በላዕተኛ ስርዑ። ከምኡ’ወን ኣብ ትሕቲኦም ግብርን ፈሰስን ዘዋጽኡ በብወረዳኡ ገበሩ። ልጅ ተስፋይ ኣጉዕዲ ጸንዓ ደግለ፣ ብጀረንዲ ለወጣ ኣብ ደቂ ድግና፣ ራእሲ ኣርኣያ ኣቦ ፊተውራረ እምባየን ደቡብን ኣብ ኩዓቲትን፣ ከንቲባ በኺት ኣብ ካርነሽም…ወዘተ ገበሩ።...[.......]
“ማሓራይ ሓወይ፣ ማሓራይ ሓወይ
ኣጥፊኦምኻ’ዶ ናብ ናኹራ ቀላይ
ሸመትካ ኣምበር ኮነት ኣደዳ ትግራየ
ሕነ ከይፈድየልካ ኮይነ ዘባጥ ብዕራየ”
እዚ መልቀስ’ዚ ኣሕዋት “ ደግያት መሓራይ መጎስ (ዓዲ ወገራ) ‘ማሕራይ 1894 ኣብ ናኹራ ምስ ተኣሰሩ ዘልቀስዎ’ዩ።
~~~~~~~~~~~{}~~~~~~~~~~~
ሓደ መርዓዊ ምስ ኣዕሩኽቱ ነፍጢ ስለ ዝርኣይሎም ክዘምቱ ከትርዎም፣ “ኣነ መንገደኛ'የ” ኢሉ “ስለ ስላሴ ስለ ማርያም” እናበሉ ኣጥቢቖም ለመንዎም'ሞ ምስ ኣበይዎም በብሓደ ቆሊቦም ቀቲሎም ተዓዝሩ ። ሻቡ'ቱይ ቀብሪ ምስ ኮነ መላቐሳይ
“እገላየ ጋዶ እዩ ጋዶ
ንመንገደኛ'ዶ ክንዲ ሽሻይ ጥይት ተአንግዶ...[......]
ክቡራት ኣንበብቲ
ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዋልታ መድሓኒት ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ጅግንነት “ ደግያት ኣበራ” ዝተጻሕፈ መመላእታኡ እዩ።
ደግያት ኣበራ ካሳ ወዲ ወዶም ንደግያት ሃይሉ ጸዓዘጋ እዮም።
ጣልያን ብ3 ነሓሰ 1889 ነስመራ፣ ምስ ኣተወ ሓያል ምዃኖም ኣጸቢቑ ፈሊጥዎም ስለዝነበረ፣ ምስሌነ ዝባን ሓማሴን ሸይሞም። ክጥብሮምን ከከባብሮምን ጀመረ። እቲ ንሓበሻ ዘይፈቐድ ዝነበረ ከም ጫማ ምውዳይ ከይተረፈ ፈቐደሎም። ካብኡ ሓሊፎ ‘ወን ክሳዕ ኣብ መኣዶም ሓወስዎም። እንተኾነ ግን፣ ሓያላት ዝኾኑ ይእሰሩ ብምንባሮም፣ ካልኦት ደቂ ሃገር ውን ሓበሬታ ምስ ሃብዎም፣ ምኽያት ፈጢሮም ስድራቤቶም ሒዞም ከይቐደምዎም ሃዲሞም ኣብ መሬት ዓንሰባ ዓረዱ።
ጣልያን ከኣ ተቆጢዖም ሰራዊት ልኢኾም፣ ብዙሕ ህዝቢ ኣጋፍዑን፣ ንብረት ወን ራሰዩ። ካፒታን በቲኒ ዝብሃል ኢጣልያዊ ፈኪሩ ሰዓቦም። መዓል ኣይተ ሓጎስ፣ ዓብደል ሓድሽ ዓዲ ዓንሰባ (ለመጨሊ) ካብ ዓዲ ሞቶ (ስኹን) ከምኡ’ወን ተኸተልቲ ደግያት ሓድገምበስ ወዲ ከንቲባ ዓልወት ካብ ዓዲ ኤሎባ ዓዲ ተከሌዛን፣ ዝነበሩ ኾይኖም ተዓጢቆም ጸኒሖም ኣብ ዋልታ መድሓኒት (ደቂ ሸሓይ) ብ1892 ውግእ ገጢሞም ንካፒታኖ በቲኒ ቀተልዎ። ብድሕሪ’ዚ ብስውር ነስመራ ኣትዮም ኣጓዱ ዓስከር ጣልያን ሓዊ ኣዲዶም ንትግራይ ተሳገሩ ይብሃል።...[......]
“ሽፋ”፦ መሬት ኣሕዋት ኮይኑ በብጉጅለ ዝካፊልዎ መሬት
“ጉልቲ”፦ ብዓል ስልጣን ንዝፈተዎ ዝዕድሎ መሬት
“ርስቲ”፦ ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ ዝመሓላለፍ መሬት
“ዲሳ”፦ ርስቲ ዓዲ ኮይኑ ብማዕረ ዝምቀል መሬት
“ግብሪ”፦ መኣዲ ንጉስ
“ጭዋ”፦ ኣግዓዚ (ብግእዝ) ኣግ ኣዝያን (መውጻእቲ ሓራ)
“ሆብ”፦ ወጠጦ ወይ ተባዕታይ ወዲ ጤል ዘይተቐጥቐጠ
“ሕደማ”፦ ድርሰት ግጥሚ ማሰ ደርፊ
“ጎርዞ ጊላዋ”፦ ኮታይቲ፣ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ መንአአያት
“ትውፊት”፦ ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ ዝሓልፍ / ዝውረስ ቃል
“ጥሽ ውባእ”፦ መርዓ ንዝሓለፋ ጓል ከም ሓያም ተቖጺራ ኩሉ መሰላ ከም ዝሕለወላ ምግባር
“ስበት”፦ ጥልቀት ሓደ ትልሚ ኣብ ማሕረስ
“ኮንሶ”፦ ቀዳሞት ንሓጺር ሰብ ዝጽውዕሊ
“ነፍጢ”፦ ተተዃሲ ብረት ...[......]
ብዛዕባ ዘበነ ውቤ ዘይሰምዐ ዘሎ ኣይመስለንን። ግዳ እቲ ስማዕ፣ ሒደት ካብቲ ብዙሕ ብሙዃኑ፣ ሓድሕድ ክንመላላእ መታን፣ ሒደት ዘበነ ውቤ መጠን ክንደይ ሕሱም ከም ዝነበረ ዝገልጽ’ ዝተባህለ ክጸዊ።
ደግያት ውቤ ጨካን፣ ጎራሕ፣ ተንኮለይና ስለ ዝነበረ ዓቀይቱ
ንሰብኣይ ሞቕሎ ኣርሲኖም ብመቐመጫኡ ኣቐሚጦም
ቅርሺ ኣበይ ኣሎ፣
መዓር ኣበይ ኣሎ
እናበሉ የሳቕይዎ።
ንደቀንስትዮ ከኣ መታን ከይስምዓ ቆሎ ዓተር ኣብ ኣእዛነን ኣእትዮም
ለይትን መዓልትን ከም ዝጥሕናን
ረጉድ ጥይት ዝውሕጥ ሃንዛ ወይ ጎጎ የሰንክትወን
ነበሩ።
መርኣያ ጭካኔኡ ክሳብ ሎሚ ድማ “ብዘበነ ውቤ ዝጸመመ ዝባን ውቤ እናበለ ሞተ” ይብሃል ኣሎ።
እቲ ጨካን ገባር ክፉእ ውቤ ከኣ ኢዱ ረኺባቶ ነቲ ኩሉ ኣብ ካብ ሃገሩ ዘሚቱ ኣኪብዎ ዝነበረ ቅርሽን ወርቕን ካልእ ጠቓሚ ንብረትን ብሃጸይ ቴድሮስ ተማረኸ።
በሉ ንሕጂ . ካብቲ ንጭካነኡ ዝገልጽ ዝተባህለ ግጥሚ ከብለኩም...[......]
'ቀደም ዘመን፣ ሓንቲ ስድራቤት ብዝሓ ብዘየገድስ ኣብ ሓደ መኣዲ ተጠርኒፋ፣ ይውሓድ ይብዛሕ፣ ይሕመቕ ይጸብቕ፣ ዓቢ ምስ ባረኾ ብሓደ ኾይና ብሕውነትን፣ ምትሕልላይን ዝመልኦ ፍቕሪ ትበልዕ ነበረት።
ሕጂ ግና.............
ዝኾነ ኾይኑ ሓንቲ ካብ ጥንታውያን ወግዒ መኣድታት ወስ ክብለኹም።
ጥንታዊ መኣዲ " ሌማት" እያ ትብሃል ።
መኣዲ ሌማት ሸሞንተ እንጌራ ተተዓጺፉ ብኽቢ ይቕመጥ፣ ጸብሒ ኣብ ማእከል'ቲ ቅርጫት ምስ ኮነ፣ ዓቢ ...ንእሽቶ እንጌራ ቆሪሱ ንኹሉ ኣባል መኣዲ ዓዲሉ ምስ ባረኽ ተቐረብቲ ጸጸቢሖም ይበልዑ።
ምናልባሽ'ዚ ጥንታዊ ወግዒ መኣዲ ሕጂ ኣሎ ክብል ኣይደፍርን። ...[......]
ኣብ ባሕሪ ፍቕሪ ምሕንባስ፣ ኣብቲ ጉዕዞኡ ምግስጋስ፣ ምስ ምውዳቕ ምትንሳእን ምቅላስን ብፈተነታት ምስጋር ግድን’ዩ፣ መቐረት ክህልዎ። ኣብቲ ህይወት’ቲ ፍቕሪ’ሎ። እቲ ፍቕሪ ንባዕሉ ህይወት’ዩ። ህይወት ከኣ እስትንፋስ’ያ። ብሓጺሩ ፍቕሪ ምስጥር ህላወ’ያ። ኣቲ ምቁር፣ መጺጽ፣ ኣብ ፍቕሪ’ሎ ።
“ህይወት ፍቕር’ያ’ ካብ በልና፣ ብግልባጡ ኸኣ፣ ፍቕሪ ህይወት’ያ እንተወሲኽና፣ ህይወት ምስጥር’ያ” ትብል ህብብቲ ኣሜሪካዊት ገጣሚት ኤሚሊ።
ካብዛ ነጥቢ ተበጊስና፣ ነቲ ምስጢር ንመርምር፣ ነስተማቕሮ’ሞ፣ ኣብ ምብርባር ምስጥር ህይወት፣ ዓመትን ስዕረትን፣ ምላድን ምማትን ኣሎ። ስለዚ ኣብ ጉዕዞ ፍቕሪ ዝኣመነ ክከሓድ፣ ዝጸንዐ ክግዳዕ፣ ከምኡ’ወን ዕርክነት ነይሩ መልክዑ ቀይሩ ከቛርጽ፣ ኣብ ሓዳር ቃልኪዳን በጺሑ፣ ክብተን ይርአ’ዩ። አረ ከም ውሁብ ኾይኑ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ጠንቂ ምብታኽ ሰንሰለት ፍቕሪ ግን እንታይ’ዩ?
ፍረ ፍቕሪ ስለምንታይ’ዩ ከይበሰለ ዝረግፍ?
ብዙሕን ዓይነታውን ምላሽ ክህልወና ግድን’ዩ። ክንዲ ዝኾነ ከም ገዛኻ ደኣ’ምበር ዘይ ከም ጎረቤትካ ስለዘይመቖካ።
ፍቕሪ እቲ ዝቕጽልን ዝቑጸን፣ ዝዕንብብን ዝረግፍን፣ ከከም ዓይነቱ’ዩ ዝትከል።...[......]
ብዓይኒ ማዕዶ ኣምራት ፍቕሪ ዳርጋ ዘይርድኦ የለን፣ ኣብ ውሽጡ ኣትዩ ተዋሳኢ ምስ ዝኸውን ግና ከከምኡ፣ ስለዚ’ዩ ኸኣ ንፍቕሪ መን ከም ዘፍቕራ ገና ዘይተመለሰ ሕቶ ዝመስል። ንሓንቲ ብቀረባ ዝፈልጣ ፈላጢተይ “ንፍቕሪ መን የፍቕራ?” ኢለ ምስ ተወከስክዋ፣ “ፈቃር” ብምባል መለሰትለይ።
ብርግጽ ከኣ ንፍቕሪ ከፍቕር ዝኽእል ፈቓር ጥራይ’ዩ። ፈቓር ወይ ፈቓራት’ከ ኣለው’ዶ? “እወ” እንተኾይኑ እቲ መልሲ፣ ትሕቲ ርብዒ ሚእታዊት’ዩ። እኳ ደኣ ብቑንጣሮ ዝቑጸሩ ውልቀ ሰባትን መጻምድን፣ ከመይ’ሲ ኣብዚ እዋና’ዚ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ መጀመርታ ቅርርባት ኩሉ ምልኻ፣ ፈቓር፣ ትሑት፣ ሓላዩ ..ወዘተ ኩሉ ሰሰናዩ መሲልካ ትላለ። ነብሲ ወከፍ ሌላ፣ እቲ ሓቀኛ ባህርያትካ ሓቢእካ ትተዓራረኽ። በብእብረ ድማ መጻምድቲ ትቐያይር።
ነቲ ዝቐደመ ወይ ነታ ዝቐደመት ንእሽቶ’ኳ ትኹን ፍቕራዊ ሕድገት ከየርኣኻ ተፈሊኻያ ከተብቕዕ፣ ዳግማይ ልዙብ ጠባይ ሒዝካ ትቅልቀል። ንሓደ ወይ ክልተ ወስታ ክሳብ ተድምዕ ርእስኻ ትቐብር። ብድሕሪ’ዚ ግና ጸሓይ ከም ዝጽሎ ጠበቕ በብቕሩብ ፈኸኽ ትጅምር። ምስምሳት እናብዛሕካ ህድምድሚት ብምርኣይ እግረ ተሕጽር፣ ልቢ ተርሕቕ፣ ነውራም ቃላት ሰው ተብል።
ንስለ ፍቕሪ መስዋእቲ ከም ዝኽፈል እናተፈልጠ ክንሱ፣ ብኽልቲኡ ወገን ግብራውነቱ ክንድቲ ኣይኮነን። ኣውራ’ኳ ብወገን ደቂ ተባዕትዮ። ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ፣ ሓንሳብ ኣሚነን ንዝለገባኦ ወዲ ኣዳም ኩል’ተንኣን ይረክባኦ። ንሰለ ፍቕሪ ተጸቒጠን ይሓልፍኦ። እዘን ኣብነት ናይዚ ግና እተን ኣዝየን ሒደት ምዃነን ክንዝንግዕ የብልናን። …[……]
ሽንቶ ጥንታዊ ሃይማኖት ጃፓናውያን’ዩ። እቲ ሃይማኖት ካብ ቅድመ ታሪኽ ኣትሒዙ ኣብቲ ቦታ ኣምላኽ ምንባሩ ይንገር። ሽንቶ መንገዲ ጣኦት ማለት’ዩ። ኣመንቲ ሽንቶ ኣብ ሓያሎ ጣኦታት’ዮም ዝኣምኑ። ኣብ ሩባ፣ ኣብ ገረብ፣ ኣብ ከውሒ፣ ኣብ ጎቦ …ወዘተ።
ጃፓናውያን ንሽንቶ ከም ኣገልጋሊ መንግስቶም፣ መደልደሊ ሓድነት ሃገሮም ገይሮም ይቖጽርዎ። ኣብ 1868 ዓ.ም መንግስቲ ጃፓን “ስቶት ሽንቶ” ዝተባህለ ሃገራዊ ሃይማኖት መስረተ። ስቶት ሽንቶ’ ንንጉስ ከም መለኮታዊ ሓይሊ ዝርኢ ሃይማኖት’ዩ።
ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም “ስቶት ሽንቶ” ብወግዒ ብመንግስቲ ተአጊዱ። ንጉስ መለኮታዊ ሓይሊ ከም ዘይኮነ ድማ ኣነጸረ።
ልዕሊ 90% ጃፓናውያን ሽንቶ ዝብሃል መንግስታዊ ሃይማኖት ይስዕቡ። ናይ ቡድሃ ኣመንቲ 75% ናይቲ ህዝቢ ክኾኑ እንከለው ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም ንሃይማኖት ሽንቶ ዝስዕቡ’ዮም። ኣብታ ሃገር ኮንፊሾስ ናይ ዝተባህለ እምነት ሰዓብቲ’ወን ብብዝሒ ይርከቡ’ዮም።
እምነት ቡድሃ ኣብ 552 ድ.ል. ካብ ቻይናን ኮርያን ናብ ጃፓን ተኣታትዩ። ብሓፈሻኡ ቡድሃ…[……]
ኣዒንትና
ኣዒንትና ኣገረምቲ ኣካላት’የን። ምሉእ መዓልቲ ድማ ብዘይ ዕረፍቲ ይሰርሓ።
ብዛዕባ እንነብረሉ ዝምህራና ወን ንሳተን’የን ነገራት ብግቡእ ክንምልከቶም ድማ ይሕግዛና። ካብ መጽሓፍቲ ኣንቢብና ክንርዳእን ክንፈልጥን ልዑል ኣበርክቶ ይገብራ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓቢ ድዩ ንእሽቶ፣ ቀረባ ድዩ ርሑቕ፣ ሓርፋፍ ድዩ ለማጽ… ወዘተ ኣዒንትና’የን ዘረጋግጻልና። ብዛዕባ ዓቐን፣ ርሕቀት፣ ቅርጺ፣ ሕብሪ ..ወዘተ ‘ወን ብሓገዝ ኣዒንትና ኢና እንፈልጦ።
ነገራት ቀረባ ወይ ርሑቕ ምህላዎም ብዘይ ካልእ መሳርሒ ብዓይንና ጥራይ ክንፈልጦ ንኽእል ።
ህጻናት ክሳብ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ዝመልኡ ሕብሪ ኣየለልዩን’ዮም። ክሳብ ሽዑ ንዝኾነ ሕብሪ ሓኹምሽታይ ኮይኑ ይር ኣዮም። እቲ ህጻን ዕድመ እናወሰኸ ምስ ከደ፣ ኣብ ሓደ ነገር ንነዊሕ ግዜ ኣተኩሩ ናይ ምጥማት ባህሪ የማዕብል፣ ብተመስጦ ድማ ክዕዘብ ይረአ። ንኻልእ ኣካላቱ ምስቲ ጭብጥ ዝርግሕ እናበለ ነቲ ዝምልከቶ ዘሎ ነገር ክሕዞ ይመጣጠር። ክሕዞ ወይ ክበጽሖ ግን ዓቕሚ ይሓጽሮ። እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ግን ኣእዳውን ኣዒንቱን ኣወሃሂዱ፣ ብዛዕባቲ ዝምልከቶ ዘሎ ነገር ብዙሕ ክፈልጥ ይጅምር። …[……]
ዋሕዲ ካሎሪ (ጸዓት ኣካላት) ኣብ እንስሳታት ዕድመ ወሲኹ መኻንነት ከም ዘስዕብሎም ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብመጽናዕቲ ተረጋጊጽ እዩ። ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ኣቶኩሮም ምርምሮም ክቕጽሉ ዝጸንሑ ተመራመርቲ ዩንቨርስቲ ያለ ኣመሪካ “ጥምየት መኻንነት ከም ዝቕስቕስ” ፈሊጥና ክብሉ ከም ዝገለጹ ተሌግራፍ ትገልጽ።
በዚ መሰረት፣ ኣብ እዋን ከቢድ ጥመይት መስርሕ መፍረ ዓጽዩ መኻንነት ዘስዕብ “ኤም ሲ ኤች” (MCH) ዝተባህለ ሆርሞን፣ በቶም ተመራመርቲ ተረኺቡ ከም ዘሎ ወሲኻ ትገልጽ።
ኤም ሲ ኤች ሆርሞን፣ ኣብ ሓንጎል ዝርከብ ኮይኑ፣ ኣብ ግዜ ክቱር ጥመየት ዝያዳ እናፍረየ፣ ንመስርሕ ስርዓተ መፍረ ከም ዘይሰርሕ ዝገብርን፣ ከምኡ’ወን ቀንዲ ጠንቂ ከስዐ፣ ወልፊ ሓሽሽን ጸቕጥን ከም ዝኾነ እቶም ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ምግላጾም ተፈሊጡ።
“ኤም ሲ ኤች ሆርሞን ዘፍርዩ ናይ ሓንጎልና መትንታት፣ ዝበዝሕ እዋን ዉሑዳት እዮም። ኣካላትና ኣሉታዊ ሓይሊ ሚዛን እንተደኣ ገጢሚዎ ግን ብዝተዓጻጸፈ ስለዝውስኽ፣ ንመስርሕ መፍረ ክዓግትዎ ይኽእሉ”
ትብል ፕሮፈሰር ስነ ኣእምሮን ክኢላ ስነ መትንን ኣብ ዩንቨርስቲ ያለ መናክቪ ኣልረጃ። …[……]
ኣብ ጽውጽዋይ፣ እንስሳታት ከማና ከም ዝዛረቡ ኮይኖም’ዮም ዝቐርቡ። ኣብ ክውንነት እንተመጺእና ግና፣ ከማና ናይ ምዝራብ ዓቕምን ክእለትን የብሎምን። ካብ ኩሎም ህይወታውያን፣ ወዲ ሰብ ጥራይ’ዩ ቃላት እናተጠቀመ ምስ ብጾቱ ክዛተን ከዕልልን ዝኽእል።
ሽሕ’ኳ ከማና፣ እንስሳታት ኣብ ነሓድሕዶም ብዘረባ ክረዳድኡ እንተ ዘይኽኣሉ፣ ገለ ድምጽን ምልክታትን ተጠቒሞም ሓጎሶም፣ ሕርቓኖም ፍርሖም…ወዘተ ከገልጹ ይኽእሉ’ዮም። ደርሁ ተኣኪበን እንከለዋ ብመንጎአን ድሙ ምስ እትሓልፍ፣ ናይ ፍርሒ ብርቱዕ ድምጺ ከስምዓ ኣስተብሂልና ንኸውን። ኩለን’ተን ደርሁ ብዘሰንብድ ድምጺ ክቓቕዋ ይስምዓ። እታ ድሙ ሓዘትኒ ከም ማለት ተመሳሳሊ፣ ከልቢ ብምንባሕን ጭራኡ ብምንቅስቓስን ናይ ስንባደ ምልክት የርኢ።
እንስሳታት ስለምንታይ ዘይዛረቡ? ኢልና እንተሓቲትና ግና፣ ሓንጎሎም ምስ ናይ ሰብ ብምንጽጻር ዘይማዕበለ ብምዃኑ’ዩ እቲ ምኽንያት። ኣብ እንስሳታት ዝተፈላለዩ ስምዒታት ይንጸባረቑ እዮም። ፍሉይ ቛንቛ ተጠቂሞም ክገልጹ ግና ‘ደረጃ ሓንጎሎም ምዕቡል ስለዘይኾነ ይሓጽሮም። ...[......]















