Date: 15/12/2011
(Family)
ፍቕሪስድራ-ቤትሲ ኣብ ምድሪ-ቤት ደኣ!
“ዕንዱ- ንወለድኻ ዶ ንባምቡላተማዕዱ?”
ብ መድሃኔ ጸጋይ
ኣብ’ዚዘለናዮ እዋን ህጻናት እንተበኽዮም: ወለዲ: ብፍላይ ድማ ኣዴታት: መአበዲ ወይ መተዓሻሸዊ ኢለን: ዝተፈላለዩ ባምቡላታት ክህባኦም ይረኣያ፥ ማኪና: ነፋሪት: ሽጉጥወዘተ። እዞም ንመጻወቲ ተባሂሎም ዝዕደጉ ኣቝሑ: ንህጻን ግድንክግዝኡሉ ከም ዘለዎምእናተቘጽሩ ይኸዱ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ ሃገራውያን ፈስቲቫላትና ከምዝተዓዘብናዮ: ወለዲ: ደቆምሒዞም ናብ ቀጽሪ ኤክስፖ ኣብ ዝኣትዉሉ: መጀመርታተቐሪቦም ዝጸንሕዎም ዝነበሩዝግዝኡ ኣቝሑ: እዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም መጻወቲ ቈልዑእዮም። እዞም ብፕላስቲክ-መሰል ነገራት ዝተሰንዑ ኣቝሑ ብዙሕ ዕምሪ ዘለዎም ኣይኮኑን። እቲ ዝያዳ ከተሓሳስብ ዝኽእል ጉዳይ ግን እዚ ዘይኮነስ: እቲ እትዕዘቦ ምእዙዝነት ወለዲ እዩ። ህጻናት ብባህርይኦም ነገራዊ ዝንባለ ዘለዎም (Materialists) እዮም። ስለዚ: ምስ ህሉውግሎባዊ ባህላዊ ጽልዋ: ኣብዓዘቕቲ ነገራውነት እናጠሓልናንኸይድ ከይንህሉ የስግኣካ።
ብዝኾነ ናብ ቀንዲ ኣርእስትና ክንምለስ። ወላዲ ንውላዱ ክህቦም ካብ ዝኽእል: ዝኸበሩ ህያባት: ገዛእ-ርእሱን ግዚኡን እዩ። ኣቦታትናን ኣባ-ሓጎታትናን ንደቆም ዝመጠውዎ ዝያዳ ነገር ድማ: እዚ እዩክትብል የድፍረካ። ስድራ-ቤትብኣጋ ኣብ ኣዳራሻ ምስተኣከበት: ብኩለንትናኣ ሞይቃ እያ ተምሲዝነበረት - ኣብ’ቲዙርያ መጋርያ ናይ ደምበ ከይተረፈ። ኣብ’ቲ መኣዲ: ኣብ’ቲ ወግዒ ቡንን ካልእን: ስርዓትንውዕዉዕ ምብህሃልን ነበረ። ወግዒጽውጽዋያት ምስ ህጻናት:ናይ ሕሽዅሽዅ ልዝብምስ ዝጐበዙ ደቂ በቲ ካልእ መዳይ፤ ህጻን እንተኾነ ከኣ: ኣብ ጽምዲ ኣእጋር ኣዲኡ ኣብሪኹ: ዓይኒ-ዓይናእናጠመተ ደገ ክወጽእ። ዘይደልደለት ህጻንንምንኣሳ ክትሓዝሎን ከተጻውቶን… ክንደይ ኢልካ’ሞ ንማሕበራዊ ስእሊ ኣዳራሽ ኣቦታትና ክትገልጻ። ኣብ ኣግነታት መታሕት እንተኸድካ ከኣ: ዝዓዘዘ ማሕበራዊ ጥምረትን ዓሚቝ ምብህሃልን ዘለወን ስድራ-ቤታት ነበራ።
ብሓፈሻ: ማሕበረ-ስነ-ልቦናዊ ጠቕሚ ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብና ዝጸንሖ ቅዲ ናብራ: ዕዙዝ እዩ። እዛከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓያል ጥምረት ዝጸንሓ ኤርትራዊት ስድራ-ቤት: ክብርታታ: ምስዝኸተመ ቅዲ ናብራ ኣብስግኣት ክወድቕ ዘይረአኣይኮነን። ኣብ ከተማ: ስድራ-ቤት ብኣጋክትእከበሉ እትኽእል ግዜ ንድሕሪት ክጉተት ባህርያዊ ኣብርእሲ ምዃኑ: ሓያለ ኣቦታት ምስ ኣዕሩኽቶም ክዘናግዑ:ከም ልምዲ የምስዩ። ኣደ ብወገና እንጀራ ማእሪራ እትኣቱ ምስእትኸውን: ህጻናት ብሰራሕተኛ ይእለዩ። ኣየ’ወ ኣብ’ዚዘሎ ምውንጃል ናይሰራሕተኛታት ገዛን ኣዴታትን! ምናልባሽ: ቈልዓ ኣዲኡናፊቑ ምዕኳዅ ምስዝኣቢ:በዓልቲ-ገዛ ንሰራሕተኛኣ: ናይ’ቲ ወደይጸባ ባዕላ እናሰተየቶ…”ኢላ ትውንጅላ ትኸውን። ምጥቕቓን መሊኡ’ዩ።
መንእሰያት እንተኾኑ’ውን: ምስ ኣዕሩኽቶም ክዘናግዑ የምስዩ። ስድራ-ቤትኣብ እትእከበሉ እዋን’ውንእንተኾነ: ብሰንኪ ቴሌቪዥን: ስድራ-ቤታዊ ምብህሃል ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ምስ ዝኸተመ ቅዲ ናብራ: ስድራ-ቤታዊ ክብርታት ከተማዕብል ዝኸበደ ጻዕሪዝሓትት ምዃኑ: ብብዙሓት ሞያተኛታት ስነ-ሕብረተሰብ ዝጥቀስ እዩ። ምዝንጋዕ ይኹን ካልእ ምብህሃላዊ ልምዲ ስድራ-ቤትድማ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎጉዳይ እዩ። ኣብ ሓደመጽሓፍ ናይ ስነ-ፍልጠት ሓበሬታ ዘንበብክዎ ሓሳብ ኣሎ:- “እዚ ዘሎ ቴክኖሎጂካዊኣገባብ ስርዓተ ሓበሬታ:ነቲ ብኣካል ኣብጥቓኻ ዘሎ የርሕቖ፤ ነቲርሑቕ ዘሎ ድማ ናብ ጥቓኻ የምጽኦ።” ንሓንቲ: ግጥም ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ብቐጥታ እትዕዘብ ኤርትራዊትስድራ-ቤት ከምኣብነት ንውሰድ። ኣብ ኣባላት’ታ ስድራ-ቤትምብህሃል ስለዘየለ: ንሓድሕዶም ብኣእምሮ ተረሓሒቖም ኣለዉ። ብኣንጻሩ:ምስ’ቶም ኣብሓንቲ ሜዳ ናይ ክለብዓዲ እንግሊዝ ሆዝብሉ ዘለዉ ተዓዘብቲ ሆይብሉ ኣለዉ። እዚኩሉ: ስድራ-ቤታትምብህሃላዊ ክብርታተን ኣብ ሓደጋንዘእትዉ ኣገባባት ምዝንጋዕ ብጥንቃቐ ክሕዛኦም ይግባእ ንምባል እዩ። ቴሌቪዥን ትኹን: ከም ሽጉጥንካልእ ዝኣመሰሉ መጻወቲታትህጻናት ድማ: ህጻናት ጎነጻዊ ጠባይ ከማዕብሉ ድርኺት ዝፈጥሩ ምዃኖም ብዝተፈላለዩ መገድታትክጥቀሱ ንሰምዕ ኢና። መጻወቲታት ብዝሓሹ መለሳታት ተኪእካክወሃቡ ዝኽእሉ ክኾኑ እንከለዉ: ቴሌቪዥን ግን ብመገዲጥንቁቕ ምሕደራ ጥራይእዩ ምቍጽጻራ ዝከኣል።ህጻናት ንዕኦም ዝሃንጹ መደባትጥራይ ከምዝከታተሉ ብምግባር።እንተ’ቲ ዝጸንሐ ገጠራዊ ህይወት ሓቚፍዎ ዝጸንሐ: ብጽቡቕ ዝተማሕበረ ህይወት: ብፍላይ ኣብ ከተማታትና: ዳርጋ ከምዛንታ ጥራይ ኢና ከነዘንትዎ። ኣብ ናይ ጉስነትህይወት ጥራይ እንተረኣና: እቲ ሃዋህው ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ምዝንጋዕ ህይወትኣለዎ። ሙዚቃ ኣብኡኣሎ፤ ስፖርት ኣብኡ ኣሎ፤ስነ-ጥበብ ኣብኡ ኣሎ፤ ዝተፈላለዩ ምህዞታት’ውን እንተኾኑ ኣብኡ ኣለዉ።
ምሕዝነት እንተበልካ: ምሕዝነት በዓልሳንዳይ ነይሩ - ጸጸርተወሓሒጥካ ንመዋእል ኣብ ልቢዝሓድር ፍቕሪ። እቲወለዶ’ቲ: ኣብዓንኪል ምሕዝነት ዝተደናገሩሰባት ኣይነበርዎንክንብል ንደፍር። ከመይሲ: ዝተጠላለፈ ኣተሓሳስባን ማሕበራዊ ተርእዮን: ንናብራከተማ እዩ። ኣብከተማ: ናይ ሞያ ይኹንካልእ ብዙሕነት ኣሎ።ምስኡ ድማ ስነ-ኣእምሮኣዊ ብዙሕነት ክህሉ ንቡር እዩክበሃል ይከኣል። ኣብ ናይቀደም ህይወት ገጠራትናእንተኾነ: ሓንቲ ሞያ:ንሳ ድማ ማሕረስን መጓሰን: ሳሕቲ ድማ ንግዲ:ዘጣመረት ጥራይ’ያዝነበረት። ኣብ ናይ ከተማህይወት ብኣንጻሩ: ካብ ንግዲ ጀሚርካ: ክሳብ ምስትምህርትን ክእለትን ዝተኣሳሰሩ ሞያታት: ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ምስ’ዚተርእዮ’ዚ እምበኣርኢና: ኣተሓሳስባ ሰብ-ከተማ ፋሕ ዝበለ ክኸውን እንጽበዮ - ምስኡ ድማ: ማሕበራዊ ዝንባሌኦም።
ኣብማሕበራዊ ጠባያት ናይ ከተማኛታትና ኣሕቢርና መደምደምታ ክንህብእንኽእል ኣይኮንናን።ብዛዕባ ገለ-ገለ ትዕዝብትታትና ግን ክንዛረብ ንኽእልንኸውን። ኣብ ጎደናሓርነት - ኣስመራ: መጽናዕታዊ ሓበሬታ ክንወስድ ዘወር እንተንብል ንኣብነት: ኣሕዋት ብሓባር ሻሂክሰትዩ ክንዕዘብ ዘሎተኽእሎ ክንደይ ሚእታዊ ምኾነ? -ብፍላይ ድማ ኣወዳት ኣሕዋት? ኣቦ ምስ ወዱ ክዛወር፤ ደቂ ሓወ’ቦካፑቺኖ ኣዚዞም ከውግዑ፤ ወይስድራ-ቤት ተጠርኒፋኣብ ደገ ክትድረር ከ?
እዞምልምድታት እዚኣቶም: ካብ ሕብረተ-ሰብ ናብ ሕብረተ-ሰብ ዝፈላለዩ ክኾኑባህርያዊ እዩ። ኣብምዕራባዊ ሕበረተ-ሰብ’ውንእንተኾነ: ብገለ ሸነኹ ብኣሉታ፤ ብገለ ሸነኹ ድማብእወንታ ምመለስናዮ ኔርና።
ጉዳይህጻናት ኣልዒልና ኣብ ኣርእስትና ምስእንዛረብ ከኣ: ኣብ’ቲ ብህይወት ናይ ከተማ ዘይተጸልወ ወለዶታት ሕበረተ-ሰብ ኤርትራ: ሃብታም ልምዲ ነይሩ። ኣብብሄረ-ትግርኛ ንኣብነት: ኣዴታት ንዝበኸዩ ህጻናትክእብዳ: ፍሉጥ ግጥሚዘለዎ ዜማ ይጥቀማ ነይረን። ኣብ’ዚ ልምዲ እዚ: ንወድን ንጓልን ነናቶም ግጥሚ እዩ ዘለዎም። ሓደመልክዕ ግጥሚ ናይ’ታንህጻን ጓል እትዝየም ዝነበረት መአበዲት ወይ መቃባጠሪት ዜማ ንርአ:-
“ዓተርወዲ ዓተር ምስተጸጸ’
ለሚን ወዲ ለሚንምስመጸጸ
ሕንጢት ወሲድዋ ብዘይሕጸ
ኣንቲ ሕንጢት ጓለይ: ሕንጢት
ጓለይ
ከም ስርናይ ኣብጻሕሊ ትርፍተት
ከም ጻዕዳ ጣፍ: ኣብ መሶብ
ትኽተት
ሰላሊሞም ክወስድዋ ጎይቶት
ሕንጢት ጓለይ: ኣንቲሕንጢት
ጓለይ
ቅልቅል ‘ስከ ትበል: በቲ ኳና
ወርቂ ጥልቂ ዘለዎዝባና
ንሳ ዶ ትመውት ከማና
ሕንጢት ጓለይ: ሕንጢት ጓለይ።
ሕንጢት ሊላይ: ሕንጢት ሊላይ
መዓር ዝቐለባ ከምበርባራይ
ወዲ ባሕሪ ትመስል ዓስካራይ
ሕንጢት ጓለይ: ሕንጢት ጓለይ
ንወዲ ድማ:-
ኣንታ ዕንዱ ወደይ: ዕንዱ ወደይ
ኣምባር ኢደይ: ሕንጥልጥል ክሳደይ
መሊሰ ዶ ከእትወካ ናብ’ዛ ከብደይ
ዕንዱ ወደይ: ዕንዱወደይ
ኣንታ ዕንዱ ወደይ: ዕንዱ ወዲ
ኣንበሳ በረኻ: መንኳዕደዲ
ቅጫ ዓተር: መጸበቕ’ መኣዲ
ኣንታ ዕንዱ ወዲ: ዕንዱ ወዲ
ዘይስተ: ማይ ጸባብርዲ
ዝብልዎ ዓዲ ብዘይወዲ
እንተዘይፈቲኻ: ዕጭ ትወዲ
ዕንዱ ወደይ: ዕንዱወደይ
ጉርማጽ’የ በሎም: ኣይፍለጽን
ከውሒ’የ በሎም: ኣይለሓጽን
እምባ’የ በሎም: ኣይጉነጽን
ዕንዱ ወደይ: ዕንዱወደይ።













